Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወረዳ የጭላ ኣበርገለ ልዕሊ 483 ሚሊየን ብር ፕሮጀክት መስተ ማይ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ የጭላ ኣበርገለ ብልዕሊ 483 ሚሊየን ብር ወፃኢ ዝህነፅ ፕሮጀክት መስተ ማይ ተጀሚሩ።

ኣብ ስነ ስርዓት መጀመሪ ህንፀት እቲ ፕሮጀክት መስተ ማይ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌተናል ጄኔራል ታደሰ ወረደን ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር) ተረኺቦም።

እቲ ፕሮጀክት ብብርኪ ሃገር ብድርቂ ዝጥቀዓ ወረዳታት እናተተግገበሩ ዝርከቡ ክሌማዊ ለውጢ ዝፃወሩ ፕሮጀክታት ኣካል እንትኸውን፤ ህንፀቱ ብሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ብቢሮ ማይን ኢነርጂን እቲ ክልል ብምትሕብባር ዝውገን ኢዩ።

በቲ ፕሮጀክት ህንፀት 4 ጎዳጉዲ ማይ በዓል 100 ሜትሮ ኪዩብ ሪዘርቬር፣ 2 በዓል 200 ሜትሮ ኪዩብ መጠራቐሚ ማይ፣ 48 ኪሎ ሜትሮ ዝርገሐ መስመር ማይ፣ 45 ቦኖታት ማይ፣ 7 ኣቢያተ ትምህርቲን 3 ጣቢያታት ጥዕናን ኣብ ግምት ብምእታው 8 እንስሳ ማይ ዝሰትያሎም ገንዳታት እውን ዘካተተ ኢዩ።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ሓደ ዓመትን ሰለስተ ወርሒን ብምዝዛም ልዕሊ 30 ሺሕ ክፋላት ሕብረተሰብ ተጠቀምቲ ከምዝገብር እቲ ሚኒስቴር ንፋና ዲጂታል ገሊፁ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.