Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወረዳ ጉዳያ ቢላ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት ሰለስተ ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ወረዳ ጉዳያ ቢላ ቀበሌ ኢፈ ቢያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ሕይወት ሰለስተ ሰባት ሓሊፉ።

እቲ ሓደጋ መስተ ዝፀዓነ ኤፍኤስኣር ተሸከርካሪ ካብ ዞባ ወለጋ ሆሮ ጉድሩ ናብ ከተማ ባኮ እንትጉዓዝ ብምግልባጡ እዩ፡፡

ብዝተፈጠረ ሓደጋ ህይወት ሰለስተ ሰባት ምሕላፉ መተሓባበሪ ደሕንነት ትራፊክ ፓሊስ መምርሒ እቲ ዞባ ዋና ኢንስፔክተር ሃብታሙ ኣማኑ ንፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ተዛሪቦም።

ኣብ ወረዳ ጉዳያ ቢላ ከባቢ ቀበሌ ኢፈ ቢያ ብተደጋጋሚ ሓደጋ ትራፊክ ከምዘጋጥም ብምሕባር ሓቢሮም፤ ኣሽከርከርቲ ግቡእ ጥንቃቐ ክገብሩ ኣተሓሳሲቦም።

ብገላና ተስፋ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.