Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወፃኢ ካብ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ብኣካል ኣጀንዳ ናይ ምትእኽኻብ ስራሕ ፅባሕ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ኣብ ወፃኢ ካብ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ብኣካል ኣጀንዳ ናይ ምትእኽኻብ ስራሕ ፅባሕ ክጅምር ኢዩ፡፡

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ኣይተ ጥበቡ ታደሰ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኣብ ወፃኢ ካብ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ብመርበብ ሓሬታ ኣጀንዳ ናይ ምትእኽኻብ ስራሕ እናካየደ ከመዝርከብ ኣመልኪቶም፡፡

ፅባሕ ድማ ብኣካል ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሪቶሪያ ሓሙሽተ ኮሚሽነራት ሃገራዊ ዘተ ኣብ ዝተረኸቡሉ ከምዝጅመር ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ቀጣ ድማ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፣ ስዊድንን ሕቡራት ኤሚረታት ዓረብን ኣጀንዳ ንምትእኽኻብ ምድላው ከምዝተገበረ ኣብሪሆም፡፡

ብክብረወሰን ኑሩ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.