ኣብ ወፍሪ ክታበት ፖሊዮ ክሳብ ሕዚ 15 ነጥቢ 3 ሚሊየን ህፃናት ተኸቲቦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ኣብ 2ይ ዙር ወፍሪ ክታበት ሕማም ፖሊዮ ክሳብ ሕዚ 15 ነጥቢ 3 ሚሊየን ህፃናት ተኸቲቦም ኢሉ፡፡
ኣብቲ ኢንስቲትዩት መተሓባበሪ ምላሽ ለበዳ ሕማም ፖሊዮ ኣይተ ሚኪያስ ኣላዩ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝበሉዎ÷ ፖሊዮ ንምጥፋእ ዝውገኑ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ቀፂሎም፡፡
ብመሰረት እዚ ድማ ስራሕቲ ቅኒት ለበዳ ፖሊዮ ካብ ምክያድ ሓሊፉ ዝተዋደደ ወፍሪ ክታበት እናተካኻየደ ይርከብ ኢሎም፡፡
2የ ዙር ሃገር ለኸ ወፍሪ ክታበት ፖሊዮ ካብ 22 ግንቦት 2017 ዓ.ም ጀሚሩ እናተኻየደ ከምዝርከብ ብምሕባር÷ በዚ ድማ ክሳብ ሕዚ 15 ነጥቢ 3 ሚሊየን ህፃናትፃምዝተኸተቡ ተዛሪቦም፡፡
እቲ ወፍሪ ክታበት ፀገም ፀፅታ ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ተበፃሒ ምግባር ከምዝተኽኣለ እውን ኣብሪሆም፡፡
ብዙፋን ካሳሁን
ብሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!