Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኣብዚ ዓመት ካብ ብሄራዊ ባንኪ ዝልቀሖ ልቓሕ ናብ ባዶ ወሪዱ-ብሄራዊ ባንኪ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት ልቓሕ መንግስቲ ናብ ባዶ ምውራዱ ኣፍሊጡ።

ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ማሞ ምሕረቱ እዙይ ዝበሉ ሎሚ ኣብ ዝተጀመረ ፎረም ፋይናንስ ኢትዮጵያ እዩ፡፡

ኢትዮጵያ ዓውዲ ፋይናንስ ከም ናህሪ ዋጋን ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢን ዝበሉ ብብዙሓት ፀገማት ክፍተን ከምዝነበረ ብምሕባር፤ ፀገማት ንምፍታሕ ኢትዮጵያ ናብ ዝተማልአ ምምሕያሽ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚያዊ ምእታዋ ተዛሪቦም፡፡

እቲ መምሓየሺ ዓውዲ ፋይናንስ ኢትዮጵያ ሓቋፊን ተወዳዳርነት ንምዕባይን፣ ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ንምፍታሕ፣ ንግዲ ወፃእን ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃእን ንምስሓብ ከምኡ እውን ናህሪ ዋጋ ንምቁፅፃር ዝዓለመ ምዃኑ ኣረዲኦም፡፡

ራእይ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ግሁድ ንምግባር ዝተሰርሑ ፃዕሪ ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ንምፍታሕን ንዘፈራት ውልቀ ዘሳትፍ ዓውዲ ፋይናንስ ጋህዲ ምዃኑ ገሊፆም።

ብቃለኣብ ግርማ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.