ኣብ ዓውዲ ኢነርጂ ማእኸል ልህቀት ምብራቕ ኣፍሪካ ንምዃን እናተግሀ ዝርከብ ኮሌጅ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ጀኔራል ዊንጌት ኣብ ዘፈር ስልጠና ማእኸል ልህቀት ዓውዲ ኢነርጂ ምብራቕ ኣፍሪካ ንምዃን እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፁ፡፡
እቲ ትካል ሓይሊ ፀሓይ መበገሲ ብምግባር ኣብ ዓውዲ ዝሕደስ ሓይሊ ብፍሉይ ጠመተ እናሰርሐ ከምዝኾነ ምክትል ዲን እቲ ኮሌጅ ሰባውዲን ሑሴን ተዛሪቦም፡፡
ብስልጠና ማእኸል ልህቀት ዓውዲ ኢነርጂ ምብራቕ ኣፍሪካ ንምዃን ኣብ ዝሕደስ ሓይሊ ብዝውገን ስራሕ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
ሓይሊ ፀሓይ ብምጥቃም ሓይሊ ምርካብ ዝከኣለሉ ስማርት ፖል በቲ ኮሌጅ ከምዝተሰርሐ ብምፅራሕ፤ ሰልጠንቲ ሰብ ዋና እዚ ሞያ ኮይኖም ንኽወፅኡ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
ኣብቲ ኮሌጅ ኣሰልጣኒ ዝኾኑ ዓለምሰገድ ጌታቸው ብግደኦም፤ እቲ ትካል ኣብ ዘፈር ዝሕደስ ሓይሊ ንኽፍለጥ ዘኽእሉ ተግባራት እናወገነ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡
ኣብቲ ዓውዲ ብቕዓት ዘለዎ ሓይሊ ሰብ ብምፍጣር ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣትዉ ኣቑሑት ምትካእን ናብ ወፃኢ ብምልኣኽን ተወዳዳሪ ኢኮኖሚ ምህናፅ ከምዝከኣል ኣገንዚቦም፡፡
ብዮናስ ጌትነት