ኣብ ዓውዲ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝበረታታዕ ውፅኢት ተመዝጊቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዓውዲ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝተትሓዘ ራእይ ጋህዲ ንምግባር ኣብ ዝተኻየዱ ስራሕቲ ርኡይ ውፅኢት ይምዝገብ ኣሎ፡፡
በዓል መዚ ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያ ኣብ ፅርየት መንደር ዝተረከቦ ህንፃ ተመሪቑ።
ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂ በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዓውዲ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝተትሓዘ ራእይ ጋህዲ ንምግባር ኣብ ዝተኻየዱ ስራሕቲ ርኡይ ውፅኢት ይምዝገብ ኣሎ፡፡
እቲ መንደር ፅርየት ብዕብየት ኢኮኖሚ ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዋ ብምሕባር፤ እቲ መንደር ንዕብየት ኦኮኖሚ ወሳኒ ዝኾኑ ትካላት ብምውዳድ ዝሰርሕሉ እዩ ኢሎም፡፡
እዚ ንኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ብጋህዲ ፍልይቲ ዝገብራ መሰረተ ልምዓት እዩ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።
ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ብግዲኦም፤ መንደር ፅርየት ልምዓት ኢትዮጵያ ናይ ፅባሕ ድልየት ኢትዮጵያ ንምርኣይ ከምኡ እውን ንወለዶ ዝተርፍ ፀጋ ምዃኑ ኣገንዚቦም፡፡
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
Website www.fanamc.com/tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana