Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ ዓማውዲ ፈተናታት ናብ ዕድል ብምቕያር ልዑል ውፅኢት ተመዝጊቡ ኢዩ-ነጋሽ ዋጌሾ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ፈተናታት ናብ ዐድል ብምቕያር ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ልዑል ውፅኢት ምምዝጋብ ተኻኢሉ ኢዩ ኢሎም ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ህዝብታት  ነጋሽ ዋጌሾ (ዶ/ር)።

ኣመመራርሓ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን፣ ካብ ገፀር ወረዳታት ክልል ሃረሪ ዝተውፃእፅኡ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ ሃረር  ‘ብስራታት ጉባ፤ ትሩፋታት ናይ ምድማር መንግስቲ’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ህዝባዊ መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ።

ነጋሽ ዋጌሾ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ፥ እቲ ዘተ ናይ ምድማር መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ዘመዝገቦም ዓወታት ንምቕፃልን ዘጋጠሙ በድሆታት ንምቕራፍን ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስቲን ዘሎ ምትሕምማን ብምጉልባት ናይ መንግስቲ ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ክብ ንምባል ዝለዓለ ረብሓ ከምዘለዎ ኣገንዚቦም።

ካብኡ ሓሊፉ ሕቶ ህዝቢ ንምምላስን ተሳትፎ ህዝቢ ንምብራኽን ዝሕግዝ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብተስፋዬ ሃይሉ

 

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.