ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ 999 ሚሊየን ኩንታል ፍሪያት ተኣኪቡ-ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ 999 ሚሊየን ኩንታል ፍሪያት ተኣኪቡ ኢሎም ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)።
6ይ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ መበል 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ዓስራይ ስሩዕ ኣኼባ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ይሳለጥ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽን መብርሂን፥ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ 999 ሚሊየን ኩንታል ፍሪያት ከምዝተኣከበ ገሊፆም።
እዚ ድማ ኣብዚ ባጀት ዓመት ካብ ዝተትሓዙ ትልሚታት 78 ሚኢታዊ ከምዝሽፍን ኣብሪሆም።
ብፍላይ ኣብ ዝረኣቲ፣ ሆረቲ ካልቸርን ጡጥን ብመንፅር ትልሚ 79 ሚኢታዊ ምዕዋት ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም።
ኣብ ዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ ነዚ ኣጠናኺርካ ምቕፃል እንተተኻኢሉ ልዕሊ ትልሚ ምዕዋት ከምዝከኣል ሓቢሮም።
ብተመሳሳሊ ኣብ መጀመርያ እዚ ባጀት ዓመት 1 ነጥቢ 2 ትሪሊየን በር ኣታዊ ንምእካብ ከምዝተትሓዘ ብምግላፅ፥ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ጥራሕ 709 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝተኣከበ ገሊፆም።
እዚ ዓብዪ ኣፈፃፅማ እንተኾነ እውን ተሕቲ ሰሃራ ምስ ዘለዋ ሃገራት አንትነፃፀር ገን ሐዚ እወን ምስራሕ ከምዘለና ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።
ብምንፅር ወፃኢ እውን መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንምውፃእ ካብ ዝተለሞ ገንዘብ 48 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ጥራሕ ወፃኢ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!