ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ፈረንሳን ዘሎ ርክብ ኩለ መዳይ ናብ ዝኾነ ጠንካራ ርክብ ተሸጋጊሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ፈረንሳን ዘሎ ርክብ ኩለ መዳይ ናብ ዝኾነ ጠንካራ ርክብ ምሽግጋሩ ቤት ፀሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።
እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ ከምዝበሎ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ጉጅለ ልኡኾምን ኣብ ቤተ መንግስቲ ኤሊሴ ብፕሬዚዳንት ኢማኑኤል ማክሮን ኣቀባብላ ተገይሩሎም።
ኣብ ዝገበርዎ ከልቲኣዊ ዘተ ድማ፥ ፕሬዚዳንት ማክሮን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት እንተካይዱ ዝተገበሩ ስምምዕነታት ተገምጊሞም።
ከልቲአን ሃገራት ንብዙሕ ዓማውቲ ኣብ ዓውዲ ምክልኸል ሃገር፣ ፀፅታ፣ ባህልን ትምህርቲን ጠንካራ ምትሕብባርን ዝምድናን ዝፈጠራ ምዃነን ኣብቲ ዘተ ተገሊፁ።
ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተገበረ ዘተ፥ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ዝበለፀ ምትሕብባር ንምግባር ዕድላት ዝፈተሸ ከምዝነበረ ተሓቢሩ።
ፈረንሳይ ንከይዲ ክለሳ ዕዳ ኢትዮጵያ ቁልፊ ደጋፊት ከምዝኾነት ይፍለጥ።
ካብ 2010 ዓ.ም ጀሚሩ ፈረንሳን ኢትዮጵያን ክልቲኣዊ ርክበን ኣብ ምጥንኻር ብዝግባእ ዝሰርሓ እንትኾና፥ እዚ ድማ ብዑደት ላዕለዎት መራሕቲ፣ ስትራቴጂካዊ ስምምዕነታት፣ ኣብ ብብዙሓት ዓውዲታት ዝተጀመሩ ሓበራዊ ስራሕቲ እናተርኣየ ከምዝፀንሐ ተገሊፁ።
ክልቲኦም መራሕቲ ናብ ሓላፍነት ድሕሪ ምምፅኦም እቶም መራሕቲ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዑደት ገይሮም ኢዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም ናብ ፈረንሳ ኣብ ዝገበርዎ ዑደት፥ ንስምምዕነት ምትሕብባር ምክልኻል ሃገርን ባህልን መሰረት ዘንበረ ዘተ ገይሮም ኢዮም።
ኣብ መጋቢት 2011 ዓ.ም ፕሬዝዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ዕላዊ ዑደቶም ብምግባር ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብዙሓት ስምምዓት ምትሕብባር ፈሪሞም ኢዮም።
ካብ ሞንጎ እቶም ስምምዕነታት ድማ ፅገና ፍልፍል ኣቢያተ ክርስትያን ላሊበላን ሕድሳት ብሄራዊ ቤተመንግስቲን መገዲ ዝኸፈቱ ስምምዕነታት ይፅርሑ።
ፕሬዚዳንት ማክሮን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ድማ ስራሕቲ ፅገና ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ላሊበላ ዑደት ገይሮም ከምዝነበሩ ተገሊፁ።
ኣብ ወርሒ ለካቲት 2015 ዓ.ም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ደ/ር) ኣብ ፈረንሳይ ዳግም ዑደት ዘካየዱ እንትኾኑ፤ ኣብ ምትእስሳራት ንግዲን ኢንቬስትመንት ብምድሃብ ልዝባት ከምዝተኻየዱ ተሓቢሩ።
ኣብቲ እዋን ድማ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዝተረጋገፀ ዘላቒ በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ ድሌት ኢሉ እውን ኣድላይነት ሰላም እቲ ዞባ ዝጠመተ ልዝብ ኣካየዶም ተባሂሉ።
ፕሬዝዳንት ማክሮን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ናብ ኢትዮጵያ ዳግም ብምምፃእ ፈረንሳይ ሪፎርም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያን ክለሳ ዕዳን ብዝምልከት ዘለዋ ሓገዝ ዳግም ኣረጋጊፃ ኢያ።
ኣብቲ ዑደት ፕሬዚዳንት ማክሮን ስራሕቲ ክለሳ ዕዳ ኢትዮጵያ ሙሉእ ብሙሉእ ብምድጋፍ ኢኮኖሚያዊ ምርግጋእን ዕቤትን ንምምፃእ ቅልጡፍ መፍትሒ ናይ ምሃብ ኣድላይነት ኣፅንኦት ሂቦም ከምዝነበሩ ኣዘኻኺሩ።
ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ዘሎ ርክብ ኩለመዳይ ዓውዲ ናብ ዘለዎ ጥንኩር ርክብ ከምዝተሰጋገሪ ተገሊፁ።
እዚ ድማ ብንቑሕ ተሳትፎ ክልቲኦም መራሕቲ ዝተጠናኸረ ኢዩ ተባሂሉ።