ኣብ ዝቕፅል መረፃ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን ጉዱኣት ኣካልን ንምዕባይ ይስራሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ፣ ጉዱኣት ኣካልን ኣረጋውያንን ትርጉም ብዘለዎ ደረጃ ንምዕባይ ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ ኢለን ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)፡፡
ኣብ ጉዳይ ተሳትፎ መረፃ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ኣካታታይነትን ዘድሀበ መድረኽ ዘተ መዳርግቲ ኣካላት ይካየድ ኣሎ።
እተን ሚኒስትር ኣብቲ እወን ከምዝበለኦ፥ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ፖለቲካዊ ተሳትፎ ዜጋታት ንምዕባይ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ጭቡጥ ውፅኢታት ተረኺቦም፡፡
ኣብ 1987 ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 2 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ዝነበረ ውክልና ደቂ ኣንስትዮ ኣብ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ናብ 41 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ክብ ምባሉ ነዚ መርአዪ ኢዩ ኢለን፡፡
ዝተዋደደ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ፣ መናእሰይ፣ ጉዱኣት ኣካል፣ ኣረጋውያንን ንፀግ ተቓላዕቲ ክፍሊታት ማሕበረሰብን ንዴሞክራሲያዊ ስርዓት ምጉልባት፣ ንፍትሓዊ ውክልናን ህንፀት ዘላቒ ሰላምን ወሳኒ ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡
ምክትል ኣካቢ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ተስፋዬ ንዋይ ብግደኦም፥ እቲ ቦርድ ኣካታታይነት ንምርግጋፅ ካብ ዝሓለፉ እዋናት መረፃ ብዝሐሸ መልክዑ ምድላዋት ምግባሩ ሓቢሮም፡፡
ብማህሌት ካሳሁን
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!