Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝቕፅል መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ልምዓት ኣቮካዶ ብፍሉይ ትኹረት ክስራሕ ኢዩ – ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ

ኣዲስ ኣበባ፣ ጥቅምት 15፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ቀፃሊ ብፍሉይ ትኹረት ካብ ሞንጎ ዝስረሐሎም ሓደ ልምዓት ኣቮካዶ ኢዩ ኢሎም ሚኒስትር ሕርሻ ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ፡፡

ንዝቕፅሉ 15 ዓመታት ዝፀንሕ ብሄራዊ ፕሮግራም ልምዓት ኣቮካዶ መርሃ ግብሪ መብሰሪ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ኣዳማ ተኻይዱ።

‎እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ እቲ ብሄራዊ ፕሮግራም ልምዓት ዋና ትኹረቱ ኣብ ምዕባይን ፍርያትን መፍረያይነትን ኣቮካዶ ኮይኑ 38 ነጥቢ 57 ቢሊየን ብር በጀት ተመዲቡሉ።

‎ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝቅፅል ሓምለዋይ ኣሰር ከከምከባቢኡ ዝስማዕማዕ ኩነታት ብፍላይ ንምግብነት ዝውዕሉ ኣእዋናት ብትኹረት ንኸስራሕ ኣንፈት ምሃቦም እቶም ሚኒስትር ኣልዒሎም።

እቲ ብሄራዊ ፕሮግራም ልምዓት ኣቮካዶ በዚ ኣንፈት መሰረት ብምግባር ከምዝተጀመረ ብምሕባር፥ እቲ መርሃ ግብሪ ንኽዕወት ብፍልጠት፣ ክሳብ ታሕተዋይ ውዳበ ብምንባብን ሰፊሕ ክትትል ብምግባርን ምትግባር የድሊ አሎም።

እቲ ፕሮግራም ብኣቮካዶ ዝለምዐ 100 ሺሕ ሄክታር መሬት ናብ 191 ሺሕ ሄክታር ንምዕባይ ዘኽእል እንትኸውን፥ መፍረያይነት ብምዕባይ ብሄክታር 13 ቶን ዝነበረ ፍርያት ናብ 24 ቶን ክብ ከምዘብል ተሓቢሩ።

ብሃይለማርያም ተገኝ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.