Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተትሓዘ ዓመት 9 ሚሊየን ሄክታር ዝፅጋዕ መሬት ስርናይ ክፈሪ ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ካብ 8 ነጥቢ 5 ክሳብ 9 ሚሊየን ሄክታር ኣብ ዝኸውን መሬት ስርናይ ፍከሪ ኢዩ ኢሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ከይዲ ኣተኣኻኽባ ስርናይ ክረምቲ ብምጉብናይ ስራሕቲ ልምዓት ስርናይ ሓጋይ ኣጀሚሮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) እቲ ዑደት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ ሓሳብ ብብርኪ ሃገር ኣብ እዋን ክረምቲ 4 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሄክታር መሬት ዝኸውን ብስርናይ ከምዝተሸፈነ ብምግላፅ÷ ኣብ እዋን ሓጋይ እውን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተዛሪቦም።

ኣብ ዝተትሓዘ ዓመት ካብ 8 ነጥቢ 5 ክሳብ 9 ሚሊየን ሄክታር ኣብ ዝኸውን ግራት ስርናይ ከምዝፈሪ ኣብሪሆም።

እዚ ድማ ምስ ዓሚ ፍርያት እንትነፃፀር ኣዚዩ ዝበለፀ ከምዝኸውን ትፅቢት ይግበር ኢሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝገበሩዎ ዑደት ካብ ስርናይ ብተወሳኺ ፍርያታት ባናና፣ ፓፓያን ዓሳ ከምዝተዓዘቡ ብምግላፅ÷ ጥዕና፣ ገንዘብን ሃፍቲን ንምርካብ ከምኡ እውን ብውሕስና ምግቢ ርእስኻ ንምኽኣል ዝሕግዙ ከምዝኾኑ ኣመልኪቶም።

ስግግር ገፀር ንምርግጋፅ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ብብርኪ ሃገር ልዕሊ 150 ሺሕ ናይ ማይ ፓምፕታት ናብ ስራሕ ኣቲዮም ኢዮም ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ 10 ሺሕ ዝግመታ ትራክተራትን 1 ሺሕ ኮምባይነራትን ኣብ ስራሕ ከምዝወዓላ ተዛሪቦም።

በዚ ድማ ማሽን ናይ ምብዝሑ ጉዳይ እናወሰኸ ምምፅኡ ብምግላፅ÷ ፓምፕን ትራክተርን ካብ ወፃኢ ካብ ምእታው ሓሊፉ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምቕራብ ከምዝተጀመረ ሓቢሮም።

ብኣድማሱ ኣራጋው

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.