ኣብ ዝተፈላለዩ ስነ ምህዳራት ዝሓሸ ፍሪያት ዝህቡ ዓሌታት ኣዝርእቲ ናይ ምፍልፋል ዓቕምና ክብ ኢሉ – ንጉሴ ደቻሳ (ፕ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ስነ ምህዳራት ዝሓሸ ፍሪያት ዝህቡ ዓሌታት ኣዝርእቲ ናይ ምፍልፋል ዓቕምና ክብ ኢሉ ኢሎም ዋና ዴይሬክተር ኢንስቲትዩት ምርምር ግብርና ኢትዮጵያ ንጉሴ ደቻሳ (ፕ/ር)።
ፍሪያት ንምስሳን ዝሕግዝ ምርምር መመሓየሺ ዓሌት ብምግባር እቲ ኢንስቲትዩት ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም።
ኣብ መፅናዕቲን ምርምርን፣ ቴክኖሎጂ፣ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ኣሰራርሓን ምምሕያሽን ጠመተ ብምግባር ይስራሕ ኣሎ እውን ኢሎም።
እቶም ዋና ዳይሬክተር ንፋና ዲጂታል ከምዝበልዎ፥ ንኹሎም እዋናት ዝስማማዕ ቴክኖሎጂታት ብምፍልፋል ዝሓሸ ፍሪያት ንምርካብ ዘኽእል ምርምር ብዘይምቁራፅ ክካየድ ኢዩ።
ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ስነ ምህዳራት ዝሓሸ ፍሪያት ዝህቡ ዓሌታት ኣዝርእቲ ናይ ምፍልፋል ዓቕምና ክብ ኢሉ ኢዩ ኢሎም።
ብኣቢይ ጌታሁን
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!