ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ናይ ኣፍሪካ ፅባሕ ክውስኑ ዝኽእሉ ስራሕቲ ምውጋን ይግባእ – ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ተለዋዋጢ ኣብ ዝኾነ ዓለም ናይ ፅባሕ ኣፍሪካ ክውስኑ ዝኽእሉ ስራሕቲ ብምትሕብባር ትብብር ምውጋን የድሊ ኢሎም ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)፡፡
መበል 41 ዓመታዊ ኮንፈረንስ ሕብረት ምዘናታት ትምህርቲ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ይርከብ፡፡
ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ዓለም ኣብ ለውጢ ስልጣነ ብምዃኑ ቀፃሊ ጉዕዞ ኣፍሪካ ምሕሳብን ምስራሕን የድሊ ኢሎም።
ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ናይ ኢትዮጵያን ይኹን ናይ ኣፍሪካ ፅባሕ ብዘተኣማምን ኩነታት ንምህናፅ ብምትሕብባር ምስራሕ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡
ኣብ ቀፃሊ ንኣፍሪካ ዝሓቖፈ ለውጢ ንምርግጋፅ ናይ ፅባሕ መብፅሒ ክውስኑ ኣብ ዝኽእሉ ዓውዲታት ሕርሻ፣ ልምዓት ሓይሊ፣ መሰረተ ልምዓትን ትምህርቲን ምስራሕ ይግባእ ኢሎም፡፡
ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ምዘናን ፈተናታትን ትምህርቲ እሸቱ ከበደ (ዶ/ር) ብግደኦም÷ ምዘና ትምህርቲ ካብ ምዘና ሓሊፉ ንሓፈሻዊ ዓወት ትምህርቲ ምውዓል ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
ብለይኩን ኣለም
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!