ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ብዝተወገኑ ስራሕቲ ጭቡጣት ውፅኢታት ይምዝገቡ ኣለዉ – ኣይተ ኣወል ኣርባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ብዝተወገኑ ስራሕቲ ጭቡጣት ውፅኢታት ይምዝገቡ ኣለዉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባ፡፡
ኣብ ክልል ሲዳማ ከተማ ሃዋሳ “ብስራታት ጉባ፤ ትሩፋታ መንግስቲ መደመር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ህዝባዊ ዘተ ተኻዱ።
ኣብቲ መድረኽ ኣይተ ኣወል ኣርባ፣ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማን ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲን በየነ በራሳ ከምኡ እውን ከንቲባ ከተማ ሃዋሳ ጥራቱ በየነን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ ተረኺቦም።
ርእሰ ምምሕዳር ኣወል ኣርባ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ሃገር ትህነፅ ተረባሕነት ህዝቢ ብዘረጋግፅ ኣታሓሳስባ ለውጢ ኢዩ።
ፍርያት ስርናይ፣ ምዝዛም ግድብ ህዳሰ፣ ሓምለዋይ ኣሰርን ካልኦት ዘፈራትን ብዝተወገኑ ስራሕቲ ጭቡጣት ውፅኢታት ምምዝጋብ ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም፡፡
ብኻሊእ መዳይ ልምዓት ኮሪደር ከተማ ምስሊ ከተማታት እናቐየረ ከምዝርከብ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡
ኣብ ጉባ ዝተርኣየ ሓድነት ልምዐት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምድጋም ከምዝግባእ ብምሓብር÷ ነዚ ድማ ኩሎም ብሓባር ምስራሕ ይግባእ ኢሎም፡፡
ኣይተ በየነ በራሳ ብግደኦም÷ ሃዋሳ ከተማ ውቅብቲን ምችውቲን ንምግባር ዝተጀመረ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅ ሓቢሮም።
ብፍቅርተ ከበደ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!