ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ብባዶ እግሩ ዑደት እናገበረ ዝርከብ ኣይሾው ስፒድ…
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፍሉጥ ኣሜሪካዊው ዩቲዩበርን ቀጥታ ፈነወ ኣቕራቢን መንእሰይ ኣይሾው ስፒድ ወይ ድማ ዳረን ዋትኪንስ ጁኒየር ኣብ ዓዲስ ኣበባ ዑደት እናበረ ይርከብ፡፡
ወዲ 21 ዓመት ኣሜሪካዊ ዳረን ጄሰን ዋትኪንስ ጁኒየር ኣብዚ ሕዚ እዋን “Speed Does Africa” ዝተሰመየ ጉዕዞ እናገበረረ እንትኸውን÷ ኣዲስ ኣበባ እንትበፅሕ ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ኣቀባብላ ገይረናሉ።
ኣብ 20 ሃገራት ኣፍሪካ ዑደት ብምግባር ባህሊን ታሪኽን ኣፍሪካ ንዓለም እናፋለጠ ዝርከብ ፍሉጥ ዩቲዩበር÷ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ልዕሊ 300 ሺሕ ሓደሽቲ ተኸተልቲ ብምርካብ ቁፅሪ ተኸተልቲ ዩቲዩቡ 48 ሚሊየን ኣብፂሑ።
ኣብ ኢትዮጵያ እውን ብዙሓት ዩቱዩበራት ናይ ኣዲስ ኣበባ ዑደቱ እናተኸታተሉ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡
እቲ ዩቲዩበር ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናገበሮ ዝርከብ ዑደት ኣብ ዩቲዩብ ገፁ ብቐቀጥታ ፈነወ እናመሓላለፈ እንትኸውን÷ ልዕሊ 191 ሺሕ ሰባት ነቲ ቀጥታ ፈነወ እናተኸታተሉ ከምዝርከቡ ተመልኪትና፡፡
እቲ ፍሉጥ ዩቲዩበር ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ብባዶ እግሩ እናጎብነየ ይርከብ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!