ኣብ ዞባ ኣሪ ብዘጋጠመ ጋህሲ መሬት 5 ኣባላት ሓደ ስድራ ህይወቶም ስኢኖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ኣሪ ወረዳ ደቡብ ኣሪ ጣቢያ ኮመር ብዘጋጠመ ጋህሲ መሬት 5 ኣባላት ሓደ ስድራ ህይወቶም ስኢኖም።
ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ፖሊስ እቲ ክልል ምክትል ኮማንደር ኣሸናፊ ሃይሌ ንፋና ዲጂታል ከምዝበልዎ፥ ኣብቲ ጣቢያ ዝዘነበ ዝናብ ዘስዓቦ ጋህሲ ኣብ ለዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ጉድኣት ኣብፂሑ።
ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣባላት ሓደ ስድራ ዝኾኑ ኣቦን ኣደን ምስ ሰለስተ ደቆም ህይወቶም ምሕላፉ ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት ምግጣሙ ብምግላፅ፥ ልዕሊ 200 ነበርቲ እቲ ከባቢ ምምዝባሎም ኣብሪሆም።
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!