Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ደቡብ ጎንደር ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 7 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዞባ ደቡብ ጎንደር ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 7 ሰባት ሓሊፉ፡፡

እቲ ሓደጋ ካብ ጎንደር ናብ ባህርዳር 18 ሰባት ፅዒና ትጉዓዝ ዝነበረት ሚኒባስ ኣብ ጥቓ ንኡስ ጣብያ ይፋግ ምስ ደው ኢላ ዝነበረት ኤፍ ኤስ ኣር መኪና ብምግጫዋ እቲ ሓደጋ ከምዘጋጠመ ሓላፊ ክፍሊ ከይዲ ስራሕ መምርሒ ትራፊክ ፖሊስ እቲ ዞባ ኮማንደር ሽባባው ኣለባቸው ተዛሪቦም፡፡

እቶም ሓላፊ ንፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ከምዝገለፅዎ፤ በቲ ሓደጋ ህይወት 7 ሰባት ዝሓለፈ እንትኾን ካልኦት ተሳፈርቲ ድማ ከቢድን ቀሊልን መጉዳእቲ በፂሑ።

ብተወሳኺ እቶም ጉድኣት ዝበፅም ኣብ ሆስፒታል ኣዲስ ዘመን ሓገዝ ሕክምና እናተገበረሎም ምዃኑን መንቀሊ እቲ ሓደጋ እናተፃረየ ምዃኑ ሓቢሮም፡፡

ብሹመት ኣለማየሁ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.