ኣብ ጉዳይ ልምዓት ሃፍቲ ማይ ዞባዊ ምትሕብባር ምጥንኻር ኣድላዪ ኢዩ – ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ኢነርጂ ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር) ኣብ ጉዳይ ልምዓት ሃፍቲ ማይ ዞባዊ ምትሕብባር ምጥንኻር ኣድላዪ ኢዩ ኢሎም፡፡
ዞባዊ ምትእስሳር ሓይሊ ንምጥንኻር ዝዓለመ 4ይ ጉባኤ “ኣፍሪ ራን” ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ፡፡
ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ እቲ ጉባኤ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ሃፍቲ ማይ ምጥቃም ብዝምልከት መፅናዕቲታትን ምርምራትን ብምክያድ ፖሊሲታት ንምእንፋት ልዑል ግደ ኣለዎ።
ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ዓሚቕ ሃፍቲ ማይ ከምዘሎ ብምሕባር፥ ይኹን እምበር ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሃፍቲታት ማይ ብግቡእ ከምዘይለምዑ ተዛሪቦም፡፡
ንሓበራዊ ዕቤት ሃገራት እቲ ዞባ ኣብ ልምዓት ሃፍቲ ማይ ብምትሕብባር ክሰርሓ ይግባእ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፥ ኣብ ቀረብ ሓይሊ ኢንቨስት ምግባር ንሃገራት እቲ ዞባ ተረባሕቲ ምግባር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ሓበራዊ ተረባሕነት መምርሒ ከምትኽተል ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር፥ ኣብ ሃፍቲ ማያ ካብ ብሄራዊ ረብሓኣ ሓሊፉ ንሃገራት እቲ ዞባ ዝጠቅም ንምግባር እናሰርሐት ትርከብ ኢሎም።
ብፍላይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብመሰረተ ልምዓትን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምትእስሳር ልዑል ዓቕሚ እናፈጠረ ከምዝርከብ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!