ኣብ ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ናይ ሜዳ ለውጢ ተገይሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ድሬዳዋ ክግበሩ ዝነበሩ ፀወታታት ፈላማይ ሰሙን እቲ ፕሪሚየር ሊግ ናይ ሜዳ ለውጢ ተገይሩሎም ኢሉ ማሕበር ኣክሲዮን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ፡፡
ናይ መጀመርታ ትሽዓተ ሰሙናት ውድድራት ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2018 ኣብ ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ከምዝካየዱ ተገሊፁ ከምዝነበረ እቲ ማሕበር ኣዘኻኺሩ፡፡
ይኹን እምበር ኣብዚ ሕዚ እዋን ከተማ ድሬዳዋ እቲ ውድድር ንምትእንጋድ ቅድመ ኩነት ብምቕማጥ እቲ ፀወታ ከተኣናግድ ከምዘይኽእል ክዘፍለጠ እቲ ማሕበር ኣክሲዮን ገሊፁ፡፡
ብምዃኑ ድማ ኣብ ድሬዳዋ ክግበሩ ዝነበሩ መኽፈቲ ሰሙናት ናብ ከተማ ሃዋሳ ከምዝዞሩ ብምሕባር፥ ዝተስተኻኸለ መርሃ ግብሪ ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ከምዝገብር ኣፍሊጡ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!