ኣብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ዘይትሳተፍ ኣርባዕተ ግዘ ሻፒዮን እቲ ውድድር ዝኾነት ጋና
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሞሮኮ ምክያድ ኣብ ዝጀመረ መበል 35 ውድድር ፅዋዕ ኣፍሪካ ካብ ዘይሳተፋ ሃገራዊ ጋንታታት ሓንቲ ኣርባዕተ ግዘ ፅዋዕ እቲ ውድድር ዝዓተረት ጋና ትፅራሕ፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዙሓት ከዋኽብቲ ዘርአየትና ጋና ኣብ መበል 35 ፅዋዕ ኣፍሪካ ካብ ዘይሓለፋ ሃገራት ሓንቲ ኢያ፡፡
ጋና ካብ ዓበይቲ ሃገራዊ ጋንታታት ኣፍሪካ ሓንቲ ትኹን እምበር ናብ ሞሮኮ ዘሕልፋ ትኬት ክትቆርፅ ኣይከኣለትን፡፡
በዚ ድማ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ድሕሪ 2004 ንፈለማ እዋን ካብቲ ዓብዪ መድረኽ ውድድር ኣህጉር ኣፍሪካ ፅዋዕ ወጻእ ክትከውን ተገዲዳ፡፡
ጋና ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1963 ንፈለማ እዋን ፅዋዕ ኣፍሪካ ክተዕውት ዝኸኣለት እንትትከውን ኣብ 1965፣ 1978ን 1982 ብምዕዋት ኣርባዕተ ግዘ ናይቲ መድረኽ ክብሪ ምዃና ኣይርሳዕን፡፡
ፀለምቲ ከዋኽብቲ እናተብሃሉ ዝፅውዑ ጋናውያን ተፃወትቲ ድሕሪ ብዙሓት ዓመታት ኣብታ ኣህጉር ዝዓበየ መድረኽ እንተይተሳተፉ ተሪፎም።
ኣብ ዝተፈላለያ ዓበይቲ ሊጋት ኣውሮፓ ተፃዊቶም ዝሓለፉን እናተፃወቱ ዝርከቡን ከዋኽብቲ ንኩዕሾ እግሪ ዓለም ካብ ሞንጎ ዘበርከታ ሃገራት ኣፍሪካዊት ሃገር ጋና ሓንቲ ኢያ፡፡
ኣብ መፃረዪ መርሃ ግብሪ ምስ ኣንጎላ፣ ሱዳንን ኒጀርን ኣብ ምድብ ሽዱሽተ ተደልዲላ ዝነበረት ጋና፤ ኣቲ ምድብ ናይ መወዳእታ ደረጃ ብመሓዝ ነይራ ዝዛዘመት፡፡
ጋና ኣብቲ መፃረዪ ፀወታ ካብ ዝገበረቶም ሽዱሽተ ፀወታታት ብዘይሓደ ፀወታ እንትትዛዝም፤ ብሰለስተ ፀወታ ማዕረ ብሰለስተ ድማ ሽዕረት ኣተኣናጊዳ፡፡
በዚ ድማ ኣብቲ ምድብ ብሰለስተ ነጥቢ ጥራሕ ብምእካብ ካብቲ ውድድር መድረኽ ወፃእ ክትከውን ተገዲዳ።
ብወንድማገኝ ፀጋዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!