Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፈተነ ዝርከብ ቅልጡፍ ናይ ቻይና ኤሌክትሪክ ባቡር…

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቻይና ሲኣር450 ዝብል ስያመ ዝሃበቶ ካብ ዓለም ቅልጡፍ ናይ ኤሌክትሪክ ባቡር ኣብ ፈተነ ኣውዒላ፡፡

በዓል ጥይት ቅልጣፈ ዘለዎ ባቡር ዝተብሃለ ካብ ዓለም ዝቐልጠፈ ባቡር ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ቻይና ሻንጋይ መስመር ባቡር ቼንግዱ ፈተነ ምንቅስቓስ ጉዕዞ እናገበረ ከምዝርከብ ተገሊፁ፡፡

እቲ ቅልጡፍ ባቡር ኣብ ዝገበሮ ፈተነ ብሰዓት 350 ኪሎ ሜትር ክጓዓዝ ዝኸኣለ እንትኸውን÷ መመሓየሺ ተገይሩሉ ፈተነ እንትዛዝም ብሰዓት 450 ኪሎ ሜትሮ ምጉዓዝ ይኽእል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እቲ ቅልጡፍ ባቡር ቅድም ክብል ኣብ ቻይና ዕላዊ ካብ ዝተገበረ ቅልጡፍ ባቡር ፉክሲንግ ብ100 ሰከንድ ዝበለፀ ቅልጣፈ ከምዝበልፅን እዚ ድማ ካብ ዓለም ቅልጡፍ ባቡር ንኽኸውን ከምዘኽአሎን ተሓቢሩ፡፡

ፕሮጀክት ሲኣር450 ኣብ ቻይና ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2021 ዝተጀመረ እንትኸውን÷ ኣብ ዝቕጥሉ ሒደት ኣዋርሕ ተመሪቑ ኣገልግሎት ከምዝህብ ተሓቢሩ፡፡

እዚ ድማ ቻይና ኣብ ዓለም ቅልጡፍ ፕሮጀክት ባቡር ዘለዋ መሪሕነት ክተስፍሕ ከምዝገብራ ኢሲኤንኤስን ሲጂቲኤንን ፀብፂቦም፡፡

ብሚኪያስ ኣየለ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.