ኣብ ፎረም ፓሪስ ኢትዮጵያ እንታይ ኢላ…
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፈረንሳይ ኣብዚ ሰሙን መበል 12 ፎረም ፓሪስ ኣሳሊጣ።
ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ኣብቲ ፎረም ከይዲ ምስላጥ ልቓሕ ብዝምልከት ኣቕሪቦም።
እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ከይዲ ልቓሕ ስሉጥ ንክኸውን ስሩዕ ሰነድ ስምምዕነት ንክሰናዳእ ሓሳብ ኣቕሪቦም።
ብመሰረት እዚ ሃገራት ጉጅለ 20 ኣብ ሓበራዊ ማዕቐፍ ኣተሓሕዛ ልቓሕ ዝምልከት ልምዲ ኢትዮጵያ ኣካፊሎም።
ኣብ ኣለቃሕቲ ሃገራት ከይዲ ድርድር ምምሕያሽ ልቓሕ ሃነፅን ናይ ምትሕብባር ከይዲን ምህላዉ ብምግላፅ መዳርግቲ ኢትዮጵያ ንዝገበርዎ ድጋፍን ምትሕብባርን አመስጊኖም።
ኣብ ከይዲ ንዘጋጠሙ ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ተጋባረዊ ምኽረ ሓሳባት ኣቕሪቦም።
ግልፅን ክረአየሉ ዝኽእልን ሰሌዳ ግዘ ከምዘሎ ንተለቃሕቲ ሃገራት ናይ ዕዳ እፎይታ እዋን ንክረኽባ ዝገርር ኢዩ እውን ኢሎም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!