Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ ሸውዓተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 10ይ ሰሙን ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ ሸውዓተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም።

ምሸት 12:00 መሪሕ እቲ ሊግ ኣርሰናል ኣብ ስታዲየም ተርፍ ሙር ምስ በርንሌይ ክትፃወት ኢያ፡፡

ብተመሳሳሊ ሰዓት ማንቼስተር ዩናይትድ ካብ ሜዳኣ ወፃእ ምስ ኖቲንግሃም ፎረስት ክትራኸብ ኢያ።

ብራይተን ንሊድስ ዩናይትድ፣ ክሪስታል ፓላስ ንብሬንትፎርድ ከተኣናግዳ ኢየን።

ፀወታታት እቲ ሊግ ምሸት ሰዓት 2:30 ቀፂሉ እንትካየድ፤ ቶተንሃም ሆትስፐር ንቼልሲ እተተኣናግደሉ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ።

ምሸት ሰዓት 5:00 ድማ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ተኸታተልቲ ፀወታታት ስዕረት ዘተኣናገደት ሊቨርፑል ኣብ ኣንፊልድ ሮድ ተኸታታሊ ዓወት ምስ ዘመዝገበት ኣስቶን ቪላ ክትራኸብ ኢያ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.