ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ ምሸት ሓሙሽተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 29 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ ምሸት ሓሙሽተ ፀወታታት እንትካየዱ ኣርሰናል ምስ ብራይተን ትገብሮ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡
ነቲ ሊግ ብ64 ነጥቢ እናመርሐት ትርከብ ኣርሰናል ኣብ ሜዳኣ ኢምሬትስ ኣብ ዝተገበረ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ንብራይተን 2 ን 1 ብዝኾነ ፀቢብ ውፅኢት ምስዓራ ይዝከር፡፡
ኣብ ብራይተን ስታዲየም ኣሜክስ ምሸት ሰዓት 4፡30 ኣብ ዝካየድ ፀወታ ኣርሰናል ምስ ብራይተን ብርቱዕ ንሕንሕ ክኸውን ከምዝኽል ይግመት፡፡
ብወገን ኣርሰናል ንቼልሲ ኣብ ዝሰዓረትሉ ፀወታ ብጉድኣት ተቐይሩ ዝወፅአ ዴክላን ራይስ ኣብቲ ፀወታ ምብፅሑ ኣጠራጣሪ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡
ብተመሳሳሊ ሰዓት ካብ ኣርሰናል ብሓሙሽተ ነጥቢ ኣፈላላይ እናሰዓበት ትርከብ ማንቼስተር ሲቲ ኣብ ሜዳኣ ስታዲየም ኤቲሃድ ንኖቲንግሃም ፎረስት ክተተኣናግድ ኢያ፡፡
ኣብ ዝሓለፈፀወታ ስዕረን ዘተኣናገዳ ኣስቶንቪላን ቼልሲን ኣብ ቪላ ፓርክ ፀወተአን ብተመሳሳሊ ሰዓት 4፡30 ክራኸባ ኢየን፡፡
ፉልሃም ምስ ዌስትሃም ዩናይትድ ብተመሳሳሊ ሰዓት ፀወተአን ዝገብራ እንትኾና÷ ኒውካስል ዩናይትድ ምስ ማንቼስተር ዩናይትድ ዝገብረኦ ፀወታ ድማ ምሸት ሰዓት 5፡15 ክፃወታ ኢየን፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!