Fana: At a Speed of Life!

ኣብ 2ይ ምዕራፍ ልምዓት ኮሪደር ልዕሊ 60 ሺሕ ንዝኾኑ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ተፈጢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መካየዲ ስራሕ ቤት ፅሕፈት ከተማ ኣዲስ ኣበባ 28 መስከረም 2017 ዓ.ም ኣብ ዝተጀመረ ካልኣይ ምዕራፍ ልምዓት ኮሪደር ካብ 60 ሺሕ ንዝበልፁ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ተፈጢሩ ኢሉ።

ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ዋና መካየዲ ስራሕ ኣዲስ ኣበባ ወንድሙ ሴታ (ኢ/ር) ከምዝበሉዎ፤ ኣብ ካልኣ ምዕራፍ ልምዓት ኮሪደር ንልዕሊ 60 ሺሕ ከምኡ እውን ኣብ ቀዳማይ ዙር ልዕሊ 52 ሺሕ ንዝኾኑ ወገናት ዕድል ስራሕ ምፍጣር ተኻኢሉ፡፡

ኣገልግሎት እንተይሃቡ ዝፀንሑ ቦታታት መብፅሒ ቱሪስትን መዘናግዒን ብምግባር ኣታዊ ንኸፈልፍሉ ከምዝተገበረ እውን ፀሪሖም፡፡

እናተሃነፁ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓ ኮሪደር እንትዛዘሙ ድማ ንብዙሓት ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥሩ ሓቢሮም፡፡

ካልኣይ ልምዓት ኮሪደር ብሓፈሻ ልዕሊ 130 ኪሎ ሜትሮ ከምዝሽፍን ተገሊፁ፡፡

ብመቅደስ ከበደ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.