ኣብ 2013 ዓ.ም ካብ ዝረአናዮ ፀገም ወፂእና ዳግም ንከየጋጥም ምግባር እንኽእለሉ እንትንመሃረሉ ኢዩ- ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) “ታሪክ ባዕሉ ስቕ ኢሉ አይደግምን፤ ኣብዚ ዓመት ካብ ዝረአናዮ መከራ ክንወፅእን ዳግም ንከየጋጥም ምግባር እንኽእለሉ እንትንመሃረሉ ኢዩ ክብላ ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።
እተን ፕሬዚዳንት ሓዱሽ ዓመት ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።
ኣብ 2013 ዓመት ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ብሰላም መንገዲ ምፍፃሙን ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ህዳሰ ግድብ ምዝዛሙን ካብዝተመዝገቡ ዓወታት ሓቢረን።
ብኣንፃሩ ኢትዮጵያ ኣብ ስግኣት ህልውና ፈተና ዝኣተወትሉ ከምዝነበረን ብዝተገበረ ሃገር ናይ ምድሓን ተልእኮ ኣብ ውግእ ዝተሳተፉ ሓይሊታትን ዜጋታትን ብመስዋዕትነት ሃገር ኣድሒኖም፣ ምስጋና እውን ይግበኦም ኢለን።
ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብዝተኻየደ ጦርነት ካብ ህፃናት ክሳብ ዓበይቲ ንጹሃን ዝተጎድእሉ፣ ዝተፈናቐሉሉ፤ መሰረተ ልምዓት ዝዓነወሉን ከምዝኾነ ተዛሪበን።
መከላከያ ሠራዊት ኢትዮጵያ ንምድሓን ዝፍፅሞ ዘሎ ተጋድሎ፣ ናይ ደሠን ህዝቢ ድጋፍን ክሳብ ግንበር ብምኻድ ዘተሓባበሩ ኢትዮጵያዊያን ተግባር ኣዝዩ ዘኹርዕ ከምዝኾነ ኣዘኻኺረን።
ኣብ ሓዱሽ ዓመት ንህዝቢ ጠንቒ ንከይንኸውን መምርሒታት ናይ ምኽባርን ክታበት ኮቪድ 19 ናይ ምውሳድ ልዑል ሓላፍነት ኣለና ክብላ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።
“ኩላትና ኢትዮጵያዊያን ተስፋ ብምስናቕ ጥራሕ ከይተወሰንና ንተግባራዊነት ግደና እናተዋፃእና ንሓዱሽ ዓመት ቃል ኪዳን ንእንኣቱ ብትሕቲና እሓትት” ኢለን።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com7 /fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።