ኣብ 4 ነጥቢ 6 ሚሊየን ሄክታር መሬት ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ክውገን ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2018 ኣብ 4 ነጥቢ 6 ሚሊየን ሄክታር መሬት ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ንምውውጋን ምድላው ተዛዚሙ ኢሉ ሚኒስቴር ሕርሻ፡፡
ኣብቲ ሚኒስቴር መሪሕ ፈፃሚ ስራሕ ልምዓት፣ ሃለዋን ክንክንን ሃፍቲ ተፈጥሮ ፋኖሴ መኮንን ከምዝበሉዎ÷ ልሙዕነት ሓመድ ንምምሕያሽ ልዑል ረብሓ ኣለዎ፡፡
ስራሕቲ ሓለዋ ሓድን ማይን ስነ ምሕዳር ከባቢ ካብ ምሕላው ሓሊፉ ዝተጎድኡን ዝዓረቑን መሬታት ዳግም ንኽግርቡን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክት ኣብሪሆም፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ መላእ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብዝተወገነ ዝተዋደደ ስራሕቲ ልምዓት ተፋሰስ ልዕሊ 33 ነጥቢ 6 ሚሊየን ሄክታር መሬት ዳግመ ግረባ ምግባር ተኻኢሉ ኢሎም፡፡
ኣብዚ ዓመት ኣብ 4 ነጥቢ 6 ሚሊየን ሄክታር መሬት ስራሕቲ ሓለዋ ሓመድን ማይን ንምውጋን ኣድላዪ ምድላው ከምዝተዛዘመ ኣይተ ፋኖሴ ንፋና ዲጂታል ተዛሪቦም፡፡
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!