Fana: At a Speed of Life!

ኣይሾው ስፒድ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ፃንሒት ናይ ሚሊየናት ኣዒንቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንክጥምተያ ገይሩ  – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፍሉጥ ዩቲዩበር ኣይሾው ስፒድ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ፃንሒት ናይ ሚሊየናት ኣዒንቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንክጥምተያ ገይሩ  ኢለን  ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ እቲ ዑደት ኣዲስ ኣበባ ዘለዋ ዝፀንሐን ዝተኸበረን ባህሊ ኣቀባብላ ጋሻን ናይ ከተማ ፅርየትን ፅባቐን ንዕዳጋ ዓለም ዘርኣየ ዕዉት መርሃ ግብሪ ነይሩ ኢለን።

ናይ ኢትዮጵያ ሓቃዊ ፅባቐ ንማሕበረሰብ ዓለም ንምፍላጥ ልዑል ዕድል ከምዝፈጠረ እውን ተዛሪበን።

ንቐፃሊ እውን ብዙሓት ናብ ሃገርና ንክመፅኡ ከምዝገብር ዘለወን እምነት ገሊፀን።

እቲ መርሃ ግብሪ ንዘተሓባበሩ ፈተውቲ ዓዲን ፅዕንቶ ፈጠርቲን መናእሰይ፣ መንግስታዊ ትካላት ፌዴራልን ኣዲስ ኣበባን አመስጊነን።

ብፍላይ ሚኒስቴር ቱሪዝም፣ኮሚሽን ቱሪዝም ኣዲስ ኣበባ፣ ቢሮ ኮሙኒኬሽን ኣዲስ ኣበባ ፣ ይሳቃል ኢንተርቴይመንትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ንዝገበርዎ ዝተዋደደ ምትሕብባር ንኢደን።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.