Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ በዓል ኢሬቻ ሃርሰዴ ብድምቀት ንክኽበር ኣስተዋፅኦ ንዝነበነሮም ኩሎም አመስጊኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ በዓል ኢሬቻ ሃርሰዴ ብድምቀት ንክኽበር ኣስተዋፅኦ ንዝነበነሮም ኩሎም አመስጊኖም።

እቲ በዓክ ኣብ ከተማ ቢሸፍቱ ቀላይ ሃርሰዴ፥ “ኢሬቻ ንብራኸ ሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብድምቀት ተኸቢሩ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት፥ ኣባገዳታት፣ ሃደ ስንቄታት፣ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ዝመፅኡ ክፋላት ማሕበረሰብ፣ መናእሰይን ሓረስቶተን ተረተኺቦም።

ኣይተ ሽመልስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ በዓል ኢሬቻ ሃርሰዴ ባህላዊ ተውፊቱ ብዝሓለወ መገዲ ብድምቀት ተኸቢሩ ምዝዛሙ ተዛሪቦም።

ኢሬቻ ናይ ፍቕሪ፣ ሓድነትን ሰላምን በዓል ኢዩ ብምባል፥ በዓል ኢሬቻ ሃርሰዴ ብድምቀት ንክኽበር ኣስተዋፅኦ ንዝነበነሮም ኩሎም አመስጊኖም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.