ኣይተ ጌታቸው ረዳ ፕሬዚደንት ፓርቲ ስምረት ብምዃን ተመሪፆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣይተ ጌታቸው ረዳ ፕሬዚደንት ዴሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት) ብምዃን ተመሪፆም።
እቲ ፓርቲ መስራቲ ጉባኤኡ ሎሚ እንተካይድ፥ 31 ኣባላት ቤት ምኽሪ ስምረት ተመሪፆም።
ካብዚኣቶም ፕሬዚዳንትን ምክትል ፕሬዚዳንትን እቲ ፓርቲ ከምኡውን ሸውዓተ ኣባላት ኮሚቴ ፈፀምቲ ጉዳይ እቲ ፓርቲ መሪፁ።
ብመሰረት እዚ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ፕሬዚደንት፣ ነጋ ኣሰፋ ተተካኢ ምክትል ፕሬዚዳንት፣ ሃፍቲ ኪሮስ ምክትል ፕሬዚዳንት ከምኡውን ሰብለ ካሕሳይ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ዴሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት) ብምዃን ተመሪፆም።
ብተመሳሳሊ ሓሙሽተ ኣባላት ቁፅፅርን ኢንስፔኽሽንን ኮሚሽን ዝተመረፁ እንትኾኑ፥ ኣይተ ገብረህይወት ገብረስላሴ ኣቦ መንበር ቁፅፀርን ኢንስፔክሽንን ኮሚሽን፣ ኣብረሀለይ ኣበራ ምክትል ኣቦ መንበር ብምዃን ተመሪፆም።
ብነፃነት ፀጋይ