Fana: At a Speed of Life!

ኣይ ኤም ኤፍ ኣብ ብፅሒት ኣባል ሃገራት ዝገበሮ መመሓየሺ ንክሰልጥ ብሄራዊ ባንኪ ሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)፥ ኣይ ኤም ኤፍ ኣብ ብፅሒት ኣባል ሃገራት ዝገበሮ 50 ሚኢታዊት መመሓየሺ ንክሰልጥ  ሓቲቶም።

ጎኒ ንጎኒ ዓመታዊ ጉባኤ ባንኪ ዓለምን ኣይ ኤም ኤፍን 2025 ኣኼባ ኮንስትቱየንሲ ግሩፕ ኣፍሪካ ተሳሊጡ።

እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ብሄራዊ ባንኪ ኣይ ኤም ኤፍ ኣብ በፅሒት ኣባል ሃገራት ዝገበሮ 50 ሚኢታዊት ምምሕያሽ ብእወንታ ይርእዮ ኢሎም።

እቲ መመሓየሺ ብፅሒት፥ ዓለም ለኻዊ ፋይናንሻል ሴፍቲኔት ንምጥንኻርን ቀረብ ሃፍቲ ንኣባል ሃገራት ንምጥንኻርን ዘኽአል እወንታዊ ስጉምቲ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ትካል ዝገበሮ መመሓየሺ ንክሰለጥ ዝሓተቱ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)÷ ወሰኽ በፅሒትን ስሉጥ ኣተገባብራን ተቐባልነት ዘለዎ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ህፁፅነት መመዓራረዪ ብፅሒት ገን ልዑል ቆላሕታ ክወሃቦ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ብፅሒት ዓበይቲ ኣባል ሃገራት ምሕላው ብዝምልከት ዝረአ ዘሎ ስምምዕነት ብምፅዳቕ ሐዚ ብዘሎ ማዕቐፍ ዓበይቲ ሃገራት ዘለወን ትሑት ውክልና ምፍታሕ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.