ኣዲስ ኣበባ ብዓይነቱ ፈላማይ ኣብ ዝኾነ ዓለም ለኸ ውድድር ወርቂ ተሸሊማ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣዲስ ኣበባ ብዓይነቱ ፈላማይ ኣብ ዝኾነ ዓለም ለኸ ውድድር ምምሕዳር ናህሪ ወርቂ ተሸሊማ።
ኣብ ብሉምበርግ ፊላንትሮፒ ብምምሕዳር ናህሪ ሕጊታት ብምውፃእን ተግባራዊ ብምግባርን ድሕንነት መገዲ ዘመሓየሹ ከተማታት ኣወዳዲሩ ኣፍልጦ ሂቡ።
ብመሰረት እዚ ብሉምበርግ ኢኒሼቲቭ ፎር ግሎባል ሮድ ሴፍቲ ኣብ ዘሰናደኦ ውድድር እታ ከተማ ተሸላሚት ወርቂ ኮይና ኣላ።
ካብ 2015 ክሳብ 2017 ኣብቲ ኢንሸቲቭ ዘለዋ ከታማታትን ምምሕዳራትን ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝድለዩ ሸቶታት ናህሪ ወሲደን ተግባራዊ ንክገብራ ፃውዒት ተገይሩለን ነይሩ።
ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ከተማና ብዘመዝገበቶ ጭቡጥ ውፅኢት ብብርኪ ዓለም ተዓዋቲት ሽልማት ወርቂ ብምዃና ልዑል ክብሪ ይስመዐኒ ኢለን።
እቲ ኣፍልጦ ናህሪ ንምምሕዳርን ድሕንነት መገዲ ንምምሕያሽን እትወስዶ ጠንካራ ቁርፀኝነት ዳግም ዘረጋገፅ ከምዝኾነ ገሊፀን።
ኣብቲ ውድድር ኣዲስ ኣበባን ቦጎታን ተዓወትቲ ወርቂ ዝኾና ከተማታት እንትኾና፥ ቤንጋሉሩ፣ ቦነስ ኣይረስን ጓዳላጃራን ብሩር ከምኡ ‘ውን ካምፓላ፣ ሞምባሳን ኪቶን ተሸለምቲ ነሓስ ኮይነን።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!