ኣዳማ ከተማ ንንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ ስዒራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) መርሃ ግብሪ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ መበል 31 ሰሙን ኣዳማ ከተማ ንባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 2 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ።
ኣብ ስታድዩም ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣዳማ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ኣዳማ ከተማ ነቢል ኑሪ ዘመዝገባ ሸቶታት ሰለስተ ነጥቢ ሒዛ ወፂኣ።
እቲ ውፅኢት ስዒቡ ኣዳማ ከተማ ነጥባ ናብ 29 ልዕል ብምግባር ካብ ዞባ ምውራድ ዝወፅአሉ ዕድላ ኣመሓይሻ።