Fana: At a Speed of Life!

ኣዳም ላላና ንባዕሉ ካብ ፀወታ ኩዕሾ እግሪ ኣግሊሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)እንግሊዛዊ ነበር ተፃዋታይ ጋንታታ ሊቨርፑልን ሳውዝሃምፕተንን ኣዳም ላላና ርእሱ ካብ ፀወታ ኩዕሾ እግሪ ኣግሊሉ።

ናይ ማእኸል ተፃዋታይ ኣዳም ላላና ኣብ 37 ዓመቱ ጫማ ከምዝሰቐለ ሎሚ መዓልቲ ኣረጋጊፁ፡፡

ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ዘነበሮ ፃንሒት 305ፀወታታት ዝተሳተፈ እንትኸውን÷ ንሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ድማ 34 ፀወታታት ገይሩ፡፡

ኣዳም ላላና ካብ ሊቨርፑል ሳውዝሃምፕተንን ብተወሳኺ ኣብ ጋንታ ብራይተን እውን ተፃቱ ኢዩ፡፡

ኣብ ኩዕሾ እግሪ ህይወቱ ፅዋዕ ፕርሚየር ሊግ፣ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ፣ ፅዋዕ ጋንታታት ዓለምን ሱፐር ካፕን ክዓትር ክኢሉ ኢዩ፡፡

ብወንድማገኝ ፀጋዬ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.