ኣዳም ላላና ንባዕሉ ካብ ፀወታ ኩዕሾ እግሪ ኣግሊሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)እንግሊዛዊ ነበር ተፃዋታይ ጋንታታ ሊቨርፑልን ሳውዝሃምፕተንን ኣዳም ላላና ርእሱ ካብ ፀወታ ኩዕሾ እግሪ ኣግሊሉ።
ናይ ማእኸል ተፃዋታይ ኣዳም ላላና ኣብ 37 ዓመቱ ጫማ ከምዝሰቐለ ሎሚ መዓልቲ ኣረጋጊፁ፡፡
ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ዘነበሮ ፃንሒት 305ፀወታታት ዝተሳተፈ እንትኸውን÷ ንሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ድማ 34 ፀወታታት ገይሩ፡፡
ኣዳም ላላና ካብ ሊቨርፑል ሳውዝሃምፕተንን ብተወሳኺ ኣብ ጋንታ ብራይተን እውን ተፃቱ ኢዩ፡፡
ኣብ ኩዕሾ እግሪ ህይወቱ ፅዋዕ ፕርሚየር ሊግ፣ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ፣ ፅዋዕ ጋንታታት ዓለምን ሱፐር ካፕን ክዓትር ክኢሉ ኢዩ፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!