ኣገልግሎት ትራንስፖርት ዝህባ ጀልባታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምግጥጣም ይስራሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጵያ (ኢባትሎ) ኣገልግሎት ትራንስፖርት ማይ ዝህባ ጀልባታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምግጥጣም ይስራሕ ኣሎ አሉ።
ዋና ፈፃ ስራሕ እቲ ትካል በሪሶ ኣመሎ (ዶ/ር) ኣፈፃፅማ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ማይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ከምዝበሉዎ÷ ኢባትሎ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ልዕሊ 108 ቢሊየን ብር ኣታዊ ረኺቡ።
ኣታዊ እቲ ትካል ክብ ንኽብል ተግባራዊ ዝተገበረ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝገበረ ብምሕባር÷ እቲ ትካል ኣታዊን ወፃኢን ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ምቅልጣፍ ልዑል እጃም እናተፃወተ ከምዝርከብ ኣልዒሎም።
ኣብ መዳይ ዓውዲ መተሓላለፍቲ ፅዕነት እውን ልዑል ውፅኢት ዝተረኸበሉ ዓመት ኢዩ ዝበሉ እቶም ዋና ዳይሬክተር÷ ኣብ ዓውዲ መልቲ ሞዳልን ዩኒ ሞዳል ዘዕግብ ውፅኢት ከምዝተረኀበ ኣብሪሆም።
ኣብ ውሽጢ ሃገር ትራንስፖርት ማይ ንምዕባይ መንግስቲ ብዝሃቦ ትኹረት ጣና ነሽ ክልተ ጀልባ ተዓዲጋ ናብ ቦታኣ እናተጓዓዘት ከምትርከብ ብምግላፅ÷ ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ጀልባታት ናይ ምግጥጣም ሓሳብ ተታሒዚ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ብኣለምሰገድ ኣሳዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!