Fana: At a Speed of Life!

ኣገልግሎት ጥዕና ንምዝማን ዘፈር ውልቀ ምስ መንግስቲ ሓቢሩ ክሰርሕ ይግባእ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ መንግስቲ ኣገልግሎት ጥዕና ንምዝማን ኣብ ዝሰርሖ ስራሕ ዘፈር ውልቀ ብምትሕብባር ንኽሰርሑ ፃውዒት ኣቕሪበን።

እተን ከንቲባ ዘበኑ ብዘፍረዮም ቴክኖሎጂታት ዝተሓገዘ ዕዙዝን ስሉጥን ኣገልግሎት ሕክምና ንመሃብ ዝተሃነፀ ፕላዛ ጥዕና ሃባሪ መሪቐን ስራሕ ኣጀሚረን።

ከንቲባ ኣዳነች ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ÷ ፕላዛ ጥዕና ሃባሪ ቀንዲ ሸቶ ገይሩ ዝተልዓለ ብምኽንያት ሕክምና ናብ ወፃኢ ሃገራት ዝግበር ጉዕዞ ምትራፍ ኢሉ እውን ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ተሓከምቲ ምስሓብ ኢዩ።

በዚ ድማ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ካልኦት ዜጋታትን ኣገልገሎት ሕክምና ንምርካብ ናብ ወፃኢ ሃገራት ንምኻድ ዘውፅኡዎ ሸርፊ ወፃኢ ንምቑጣብ ዘኽእል ኢዩ ኢለን።

መንግስቲ ንኣውዲ ጥዕና ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ከምዝርከብ ብምግላፅ÷ ዜጋታት ብዝድለ መጠን ኣገልግሎት ሕክምና ንኽረኽቡ ዘፈር ውልቀ ልዑል እጃም ከምዘለዎ ኣገንዚበን።

ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ ብግደአን÷ ኣገልግሎት ጥዕና ፅሬቱ ዝሓለወን ተበፃሒን ንኽኸውን ዲጂታል ኣገልግሎታት ብምትግባር ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ጋህዲ ንምግባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ኣብቲ ማእኸል ሕክምና ዝተፈላለዩ ስፔሻሊቲን ሰብስፔሻሊቲ ሓኻይም ከምዘለዉን ኣብ ወፃኢ ሃገራት ጥራሕ ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ከምዝወሃበሉ ዝገለፃ ድማ መስራቲት ፕላዛ ጥዕና ሃባሪ ዶ/ር ኣኸዛ ጠዓመ ኢየን።

ምህናፅ እቲ ፕላዛ ጥዕና መንግስቲ ንዘፈር ውልቀ ብዝሃቦ ሰፊሕ ዕድል ከምዝኾነ ሓቢረን።

ብነፃነት ፀጋይ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.