Fana: At a Speed of Life!

ኣገልግሎት ፍትሒ ክልል ኦሮሚያ ብፅቡቕ ተሞክሮ ዝውሰድ ኢዩ – ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣወሃህባን ተበፃሕነትን ኣገልግሎት ፍትሒ ክልል ኦሮሚያ ብፅቡቕ ተሞክሮ ዝውሰድ ከምዝኾነ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም፡፡

ኣባላት እቲ ባይቶን ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላትን ክልል ኦሮሚያ ከይዲ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ፍትሒ ኣብ ዝተዓዘቡሉ እዋን ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ፤ እቲ ኣገልግሎት ፍትሒ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ምዃኑ ምግንዛብ ከምዝከኣል ተዛሪቦም።

እቲ ኣገልግሎት ቅልጡፍ ንኽኸውን ድምር ውፅኢት ኣመራርሓን ፈፀምቲ ኣካላትን ከምዝተንፀባረቐ ገሊፆም፡፡

ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እቲ ክልሉ ከምኡ እውን ኣብ ዞባን ባህላዊ ኣቢያተ ፍርዲን ብኣመራርሓን ፈፀምቲ ኣካላትን ብምውዳድ ዝተመዝገበ ውፅኢት ኣብ ካልኦት ክልላት ብፅቡቕ ተሞክሮ ዝውሰድ ከምዝኾነ እውን ኣመልኪቶም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.