Fana: At a Speed of Life!

ኣጠቓቕማ ስማርት ስልኪን ምምላእ ማሕበራዊ ርክብን…

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ካብ መጠን ንላዕሊ ስማርት ስልኪ ምጥቃም ሰባት ካብ ምቅርራብ ሕድሕድ ስድራ ዝርብሽ ለበዳ ኮይኑ ኣሎ።
ልእልቲ ዌልስ ኬት ካትሪን መራኸቢ ቴክኖሎጂታት ንሰባት ከቀራረቡ እዮም ተባሂሉ ዋላ ዃ ተተሓሰበ ብኣንፃሩ ግን ንማሕበራዊ ዝምድናታት ብኸቢድ ይሃስዩ ኣለው።
ልእልቲ ኬት ካትሪን ምስ ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ሮበርት ዋልዲንገር ብምኳን ኣብ ዘንበብኦ ፅሑፍ፡ ስማርት ስልኪታት ትኹረት ብምስኣን ምስ ስድራቤትና ከነሕልፎ ዝግበኣና ትኹረትን ግዜን ይወስዳና ኣሎ ኢለን።
ጥንኩር ቤተሰብ ርክብ ሰብ ንሰብ ንኣእምሮ ይኹን ለኣካላዊ ጥዕና መሰረት ዝኾኑ መፅናዕቲታት መሰረት ገይረን ዘረድኣ እተን ልእልቲ፤ ዲጂታል ቴክኖሎጂ እዙይ ንወዲ ሰብ መሰረታ ውህብቶ እናስአነ ምዃኑ ገሊፀን፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ብማሕበረሰብ ብዙሓት ፅምዋ ዝበዝሖም ሰባት ምርኣይ ልሙድ እናኾነ ይመፅእ ከምዘሎ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ናይ ኣእምሮን ኣካላውን ፀገማት ምክንያት ኮይኑ ኢለን፡፡
ብኣቤል ነዋይ
Facebook FBC Tigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.