ኣፈላላይ ሓሳብ ብዘተ ናይ ምፍታሕ ባህሊ ክብ ንምባል ግደ ትካላት ሃይማኖት ልዑል ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣፈላላይ ሓሳብ ብዘተ ናይ ምፍታሕ ባህሊ ክብ ንምባል ግደ ትካላት ሃይማኖት ልዑል ኢዩ ኢሎም ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ሞሃሙድ ድሪር።
ብኣሰናዳኢነት እቲ ኮሚሽን፥ “ግደ ምሁራን ሃይማኖት ንዕዉትነት ሃገራው ዘተ” በዘብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።
ኮሚሽነር ሞሃመድ ድሪር፥ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሰብኣዊነት፣ ምክብባር፣ ፍቕሪን ምትሕግጋዝን ብምምሃር ሓድነት ሃገር ኣብ ፅኑዕ መሰረት ኣንቢረን ኢየን ኢሎም።
ትካላት ሃይማኖት ኣብ ህንፀት ሃገራ መንግስቲ ዝነበረን ግደ ልዑል ከምዝኾነ እውን ኣዘኻኪሮም።
ትካላት ሃይማኖት ግዘብ ጠመተን በምሃብ ኣብ ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ልዝብ ክግበረሎም ኣለዎም ዝብልኦም ኣጀንዳታት ብምሃብ ታሪክ ዘየህስሶ ኣሰር ምንባረን ተዛሪቦም።
ብኣቤል ነዋይ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!