Fana: At a Speed of Life!

ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር መበል 116 መዓልቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ ሲምፖዝየምን ዓውደ ምርኢትን መሪቖም ከፊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ኣብ ሳይንስ ሙዚየም ዝተዳለወ መበል 116 መዓልቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ ሲምፖዝየምን ዓውደ ምርኢትን መሪቖም ከፊቶም፡፡

መዓልቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ ምድላው ሲምፖዚየምን ዓውደ ምርኢትን ካብ 1901 ክሳብ 2017 ዓ.ም “ዝተለወጠ ፖሊስ÷ እናተለወጠ ንዘሎ ሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሰብ ማርች ባንድ ፌዴራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ብድሙቕ ስነ ስርዓት ብዕሊ ተኸፊቱ፡፡

ኣብቲ ስነስርዓት ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣገኘው ተሻገር፣ ኮሚሽነር ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ጄኔራል ደመላሽ ገብረሚካኤል፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊት ምክልኻል፣ መኮነናት ላዕለዎት ፖሊስ ፌደራል፣ ኣቦታትን ኣዴታትን ሓርበኛታት ከምኡ እውን ተዓደምቲ ኣጋይሽ ተዓዲሞም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.