ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ን201 ሺሕን 988 ዜጋታት ዕድል ስራሕ ተፈጢሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም ኣረይቲ ኢንተርፕራይዛት ን201 ሺሕን 988 ዜጋታት ዕድል ስራሕ ተፈጢሩ ኢሉ ልምዓት ኢንተርፕራይዝ ኢትዮጵያ።
ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ኣይተ ዓብዱልፋታ የሱፍ ከምዝበልዎ፤ ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ዓቕሚ ምፍራይ ንምዕባይን ተወዳደርቲ ንምግባርን ብትኹረት ተሰሪሑ።
መፍረይ ቦታ፣ ቀረብ ግብኣት ፋይናንስ ካብ ምዕዋት ሓሊፉ ዝተፈላለዩ ተግባር ተኾር ስልጠናታት ምሃቦም ተዛሪቦም፡፡
ብፋላይ ሓደሽቲ ኢንተርፕራይዛት ንምጥያሽን ፍርያት ወፃኢ ብምትካእ ክዋፈሩ ኣድላዩ ሓገዝ ተገይሩ ኢሎም፡፡
4 ሺሕን 285 ሓደሽቲ ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ምጥያሽ ምኽኣሉ ኣረዲኦም፡፡
ብኻሊእ ወገን ድማ 12 ሺሕን 481 ነባር ኢንተርፕራይዛት ንምጥንኻር ተተሊሙ ልዕሊ 15 ሺሕ ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ምጥንኻር ምኽኣሉ ሓቢሮም፡፡
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!