Fana: At a Speed of Life!

ኣፍሪካ ርእሳ ንምኽኣል ዝሓዘቶም ሸቶታት ንኽዕወቱ ኣህጉራዊ ምትሕብባር ምጥንኻር

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣፍሪካ ብኹሉ መዳይ ርእሳ ንምኽኣል ዝሓዘቶም ሸቶታት ንኽዕወቱ ኣህጉራዊ ምትሕብባር ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሃደራ ኣበራ ገሊፆም።

ነበር ትካል ሓድነት ኣፍሪካ ናይ ሕዚ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተመስረተሉ መበል 62 ዓመት ዝዝከረሉ በዓል መዓልቲ ኣፍሪካ “ታሪኽና ምቕናይ ፅባሕና ምስትኽኻል” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተኸበረ ይርከብ።

ኣብቲ ምኽባር ስነ-ስርዓት፤ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ሕብረት፣ ተወከልቲ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት፣ ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲ፣ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ፣ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን እናተሳተፉ ይርከቡ።

እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፤ ቀዳሞት ኣፍሪካውያን ኣቦታት ሓበራዊ ራኢ ብምሕንጋጥ ሓድነት ኣፍሪካ ጋህዲ ንኽኸውን እቲ ትካል ብምምስራት ልዑል ምዕራፍ ታሪኽ ከፊቶም።

ራኢ መስረትቲ ትካል ሓድነት ኣፍሪካ ንምዕዋት ብትግሃት ምስራሕ ከምዝግባእ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ሰላማዊትን ዝተሓባበረትን ኣፍሪካ ጋህዲ ንምግባር ድማ ብሓባር ምስራሕ ከምዝግባእ ምዒዶም፡፡

ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ መሓመድ ዓሊ የሱፍ ብግደኦም፤ በቢዓውዱ ምዕባለ ኣፍሪካ ዘጎናፅፉ ለውጢታት እናመፅኡ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.