ኣፍሪካ ብኾባኽብታ ትደምቀሉ ውድድር – ፅዋዕ ኣፍሪካ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ንኣፍሪካውያን ዝዓበየ መተኣኻኸቢ መድረኽ ዝኾነ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ሰሜን ኣሪሪካዊት ሃገር ሞሮኮ ክጅምር ኢዩ፡፡
ብፍላይ ኣብ ዓበይቲ ሊጋት ኣውሮፓ ዝፃወቱ ኣፍሪካውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ዝሳተፉሉ እዚ ኣህጉራዊ መድረኽ ሓደሽቲ ከዋኽብቲ እውን ዝረኣዩሉ መድረኽ ኢዩ፡፡
ሰሜን ኣፍሪካዊት ሃገረ ግብፂ (ፈርኦናት) ኣብቲ መድረኽ ሸውዓተ ግዘ ሻምፒዮን ብምዃን መሪሕ ሃገር እንትትከውን፥ ካሜሩን ሓሙሽተ ግዘ ፅዋዕ ክተልዕል ክኢላ፡፡
ጋና ኣርባዕተ ግዘ ከምኡ እውን ኮት ዲቯርን ናይጄሪያን ሕድሕደን ሰለስተ ግዘ ፅዋዕ ኣፍሪካ ዓቲረን፡፡
ኣልጄሪያን ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎን ከክልተ ግዘ ሻምፒዮን እንትኾና፥ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ዛምቢያ፣ ቱኒዚያ፣ ሱዳን፣ ሴኔጋል፣ ሞሮኮ፣ ደቡብ ኣፍሪካን ኮንጎ (ኮንጎ ብራዛቪል)ን ሕድሕደን ሓሓደ ግዘ ፅዋዕ እቲ ሊግ ከልዕላ ክኢለን ኢየን፡፡
ኣሃዛዊ ሓበሬታታት ኩዕሾ እግሪ ብስርዓት ኮምፒውተር ብምትንታን ግምት ዘቕምጥ ኦፕታ ናይዚ ዓመት ፅዋዕ ኣፍሪካ 2025 ክትዕወት ኢያ ዝብል ቅድሚያ ግምት ነኣሰናዳኢት ሃገር ሞሮኮ ሂቡ፡፡
ናይ ሞሓመድ ሳላህ ሃገር ግብፂ ፅዋዕ ንምዕታር ብ2ይ ደረጃ ቅድሚያ ግምት ዝተውሃባ እንትኸውን፥ ናይ ሳዲዮ ማኔ ሃገር ሴኔጋል፣ ከምኡ እውን ኣልጄሪያን ናይጄሪያን ብቕደም ሰዓብ ብኦፕታ ኣብ ግምት ኣቲየን ይርከባ፡፡
ፅዋዕ ኣፍሪካ 2025 ኣብ ስታዲየም ፕሪንስ ሞሊ ኣብደላ ኣሰናዳኢት ሃገር ሞሮኮ ምስ ኮሞሮስ ብዝገብረኦ ፀወታ ናይ ምድብ ሓደ ሎሚ ምሸት ሰዓት 4 ክጅመር ኢዩ፡፡
ብሃይለማርያም ተገኝ