ኣፍሪካ ኣብ ኮፕ30 ብሓደ ድምፂ ብምዝራብ ኣብ ዓለም ክትስማዕ ክኢላ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ሕመድ (ዶ/ር) ኣፍሪካ ኣብ ብራዚል ቤሌም ዝተኻየደ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ሕቡራት መንግስታት 2025 (ኮፕ30) ብሓደ ድምፂ ብምዝራብ ኣብ ዓለም ክትስማዕ ክኢላ ኢሎም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ኣፍሪካ ናይ መፍትሒ ኣህጉር ኮይና ንቀፃሊ ዘላቕነት ኣብ ዘለዎ ዓለም ለኸ ፃዕሪ ኢትዮጵያ ቆራፅ መሓዛ ኮይና ክትቅፅል ኢያ ኢሎም፡፡
ኢትዮጵያ ከም አቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2027 ዝካየድ ኮፕ32ን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኽተተኣናግድ ብምምራፃ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስጋና ኣቕሪቦም።
ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እዚ ሓላፍነት ንኢትዮጵያ ብመሃቡ ዘለዎም ክብሪ ብምግላፅ፤ እዚ ኣፍልጦን ኢትዮጵያ ትወስዶ ስጉምቲ ክሌማዊ ለውጢ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እምነት ከምዘለዎን ዘርኢ ኢዩ ኢሎም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ምድላዋት ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ከምዘለዋ ዘረጋገፀ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ክሌዊ ለውጢ ሓበራዊ ስጉምቲታት ዘሰጉም ኮፕ32 ዘካተተ ጥንኩርን ትርጉም ዘለዎን ውፅኢት ንምምፃእ ቆራፅ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!