Fana: At a Speed of Life!

ኣፍሪካ ፀገማት ኢኮኖሚ ንምፍታሕ ኣህጉራዊ ትካል ፋይናንስ የድልያ – ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሃገራት ኣፍሪካ ዝካፍልኦ ፀገማት ኢኮኖሚን ፋይናንስን ንምፍታሕ ኣህጉራዊ ትካል ፋይናንስ ምጥያሽ የድሊ ኢሎም ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)፡፡
ብምትሕብባር ስዑዲ ዓረብን ዓለምለኸ ትካል ገንዘብን (አይኤምኤፍ) ዝተዳለወ ብቕልጡፍ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ጠመተ ዝገበረ ጉባኤ ይካየድ ኣሎ።
ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ኣብ ካልኣይ መዓልቲ መድረኽ እቲ ጉባኤ ከምበልዎ፤ ዓለምለኸ ትካላት ፋይናንስ ብፍላይ ንሃገራት ኣፍሪካ ዘቕርብኦ ደገፍ ኣዝዩ ውስንነት ኣለዎ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዙሓት ሃገራት ኣብ ማእኸላይ ባንክታቶም መተሓላለዊ ድገፍ ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብን (አይኤምኤፍ) ክምርኮሳ ይግደዳ ከምዘለዋ እውን ገሊፆም።
ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚን ፋይናንሳውን ዘጋጥመን ሓባራዊ ፀገማት ንምፍታሕ ኣህጉራዊ ፋይናንሳዊ ትካል ምጥያሽ ከምዘድሊ ኣስሚሩሉ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.