ኤቨርተን ንብራይተን ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 2ይ ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኤቨርተን ንብራይተን 2 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ፡፡
ኤቨርተን ዝተዓወተትለን ሸቶታት ኒዲያዬን ጋርነርን ኣመዝጊቦምወን፡፡
ኤቨርተን ፈላማይ ዕላዊ ናይ ፕሪሚየር ሊግ ፀወታኣ ኣብ ሓዱሽ ስታዲየም ሂል ዲኪንሰን ገይራ ሰለስተ ነጥቢ አዕዊታ፡፡
ብራይተን ኣብቲ ፀወታ ፍፁም ቅላዕ ረኺባ ዳኒ ዌልቤክ እንተይጠቐመላ ተሪፉ፡፡
ብካሊእ ፀወታ እቲ ሊግ ክሪስታል ፓላስ ምስ ኖቲንግሃም ፎረስት ተራኺበን ሓደ ማዕረ ተደላሊየን፡፡
ኣብቲ ፀወታ ኢስማኢል ሳር ንክሪስታል ፓላስ መሪሕ ዝገበረት ሸቶ የመዝግብ እምበር፤ ሁድሰን ዘምዝገባ ሸቶ ንኖቲንግሃም ፎረስት ማዐረ ገይሩዋ፡፡
ፀወታ እቲ ሊግ እንትቕፅል ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ሰዓት 12፡30 ላይ ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ፉልሃም ክራኸባ ኢየን፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!