እስራኤልን ሶሪያን ኣብ መንጎአን ዘሎ ምስሕሓብ ንምህዳእ ዘኽእል ዘተ ገይረን
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)እስራኤልን ሶሪያን ኣብ መንጎአን ዘሎ ምስሕሓብ ንምህዳእን ኣብ ከባቢ ዶብ ዘለዉ ጎንፅታት ደው ንምባልን ዘኽእል ዘተ ከምዘካየዳ ተገሊፁ።
እቲ ዘተ፥ ኣብ ቀጣና ማእኸላይ ምብራቕ ንዓመታት ብተፃይነት ዝፀንሓ ከልቲአን ሃገራት ርክበን ንምሕዳስ ዘኽእል ወሳኒ ምዕራፍ ከምዝኾነ ሮይተርስ ፀብፂቡ።
ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ቅድሚ ክልተ ሰሙናት ኣብ ሱዑዲ ኣብ ዝገበርዎ ዕላዊ ዑደት ስራሕ እስራኤልን ሶሪያን ርክበን ንከሐድሳ ሓቲቶም ምንባሮም ይዝከር።
ኣብ ቀረባ እዋናት ላዕለዎት ሰብ መዚ ክልቲአን ሃገራት ግንባር ንግንባር ተራኺቦም ቀጥታዊ ድርድር እናገበሩ ከምዝፀንሑ እቲ ፀብፃብ ይሕብር።
ብሃይለማርያም ተገኝ