“እስራኤልን ኢራንን ምቁራፅ ተኹሲ ንምግባር ተስማዕሚዐን” – ፕሬዚዳንት ትራምፕ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)እስራኤልን ኢራንን ምቁራፅ ተኹሲ ንምግባር ተስማዕሚዐን ኢሎም ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡፡
ፕሬዚዳንት ትራምፕ ከምዝበሉዎ÷ እስራኤልን ኢራንን ንዝሓለፉ 12 መዓልቲታት እናካየደኦ ዝፀንሓ ኲናት ፀጣ ንምባል ኣብ ስምምዕነት በፂሐን።
እቲ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ኣብ ዝቕፅሉ ሰዓታት ተግባራዊ ከምዝግበር ተዛሪቦም፡፡
ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን ብግድኡ÷ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቴህራን ትፍፅሞ መጥቃዕቲ ጠጠው እንተቢላ ኢራን ምቁራፅ ተኹሲ ንምግባር ድልውቲ ኢያ ኢሉ፡፡
ይኹን እምበር እስራኤል ክሳብ ሕዚ ኣብቲ ጉዳይ ዝበለቶ ነገር ከምዘየለ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡
ብኻሊእ መዳይ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ትፍፅሞ መጥቃዕቲ ሚሳኤል ከምዝቐፀለን ሎሚ መዓልቲ እውን ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰባት ጉድኣት ከምዝበፅሐ ተሓቢሩ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!